Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሽዊት ሻንካ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንዝሳተፉ ኣትሌታት ኣበረታቲዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሽዊት ሻንካ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንዝሳተፉ ኣትሌታት ልምምድ ኣብ ዝገብሩሉ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ተረኺበን ተዓዚበን።

ወ/ሮ ሽዊት ሻንካ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣትሌታተ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኣደባባይ ዓለም ዝፍለጡ ብተዓዋትነት ከምዝኾነ ኢዩ፡፡

“ብምዃኑ ድማ ኣብቲ ኦሎምፒክ ትሳተፉ ኣትሌታት ብዓወትን ብጅግንንነትን ታሪኽ ክትሰርሑ ከምትኽእሉ ነኣምነልኩም ኢና” ኢለን።

“ሎሚ እውን ከምትማሊ ብዓወት ተመሊስኩም ህዝብኹም ተኹርዑ ይግብኩም” ክብላ እውን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን፡፡

ኣትሌታት ምስሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ ዕዙዝ ግደ ከምዝሕዙ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ኣብ ትፍለጠሉ ናይ ሓባር ስራሕን ስፖርታዊ ጨዋነትን ከምዝሰርሑ ዘለወን እምነት ገሊፀን፡፡

ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝሳተፉ ኣትሌታት ብዛዕባ ቅድመ ምድላዎምን ዝርከቡሉ እዋናዊ ኩነታትን ምስተን ሚኒስትር ከምዝተዛተዩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.