Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ሰራዊት ምክልኻል ደ/ር ቀነኣ ያደታ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ቁሱላት ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰራዊት ምክልኻል ደክተር ቀነኣ ያደታ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ቁሱላት ጎብኒዮም።

“ንስኻትኩም ክብሪ ሃገርኩም ብምቕዳም ዝኸፈልኩምዎ መስዋእቲ ኣካል ኣብ መዝገብ ታሪኽ ተቐሚጡ ክነብር ክነብር ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ቁሱላት ኣባላት ሰራዊት ብግደኦም፥ እቶም ኣባላት ሰራዊት ዝኸፈሉዎ ዋጋ ዓቢዪ ቦታ ብመሃብ እቶም ሚኒስትር ስዝበፅሑዎም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣዛዚ እቲ ሆስፒታል ብ/ጀ ተገኝ ለታ ምስ ኮንፕረንሲቭ ሆስፒታል ጦር ሃይሎች፣ ሆስፒታል ኣለርት ሚኒስቴር ጥዕናን ካልኦት መሓዙት ኣካላትን ሙያዊን ንዋታዊን ሓገዝ ብምርካብ ንተሓከምቲ ግቡእ ክንክን ብምግባርን ሃገራዊን ሙያዊን ሓላፍነቶም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.