Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ተወካሊ ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ተወካሊ ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ስቴቨን ኦማሞ ተዛቲየን።

እተን ሚኒስትር፥ ትካል ምግቢ ዓለም ኢትዮጵያ ፀገም ኣብ ዘጋጠማ እዋን ኩሉ ግዘ ኣብ ጎኒ መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ጠጠው ብምባል ንዝገበሮ ንዘበናት ዝፀንሐ ምትሕብባር ኣመስጊነን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊን ፀገምን ጉድኣት መሰረተ ልምዓትን ህፁፅ ምላሽ ንመሃብ እናተኻየደ ብዛዕባ ዘሎ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ከይዲ መሊስካ ምጥያሽን ገለፃ ገይረን።

ተወካሊ ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ስቴቨን ኦማሞ ብግደኦም፥ ትካል ምግቢ ዓለም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ደው ብምባል ከይዲ ድጋፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተቐላጠፈ መልክዑ ንምስላጥ ምስ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ተቐራሪቡ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳማነት ተዋሂቡዎም ዝተፈለዩ ጉዳያት ተዋዲዱ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ እውን ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.