Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ሰላምን ሲቪክ ማሕበራትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ማዕቐፍ ትሕብብር ተዳሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሰላምን ሲቪክ ማሕበራትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ማዕቐፍ ትሕብብር ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብቲ ማዕቐፍ ትሕብብር ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት እናተሳለጠ ይርከብ።

እቲ ማዕቐፍ ኣብ ዓውዲታት ሰላም፣ ምክልኻል ጎንፂ፣ ኣብ መረፃን ዴሞክራሲን ትኹረት ገይሮም ምስ ዝሰርሑ ትካላት ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው፥ መንግስቲ ቅድሚ ሕዚ ምስ ማሕበራት ሲቪክ ተተሓሒዙ ዘሰጉሞ ዝነበረ ቅዋም ከምዝቐየረ ገሊፀን።

“መንግስቲ ምስ ማሕበራት ሲቪክ ተሓባቢሩ ዝሰርሐሉ እዋን ኢዩ” ብምባል ተዛሪበን።

ሚኒስትር ሰላምን ሲቪክ ማሕበራትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉዎም 10 ናይ ምትሕብባር መለከዒታት ኣብቲ ማዕቐፍ ከምዝተቐመጡ እውን ኣብሪሀን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ ሰብኣዊ መሰል፣ ህንፀት ዴሞክራሲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፣ ምፍታሽ አተገባብራ ምዕቐፋት ሕጊ፣ ምዕሳል ልዕልነት ሕጊ ከምኡ እውን ጎንፂን ኣፈታትሓ ጎንፂን ዝብሉ ተፀራሕቲ ኢዮም።

ኣብቲ ማዕቐፍ ትሕብብር ኣድሂቡ ዝግበር ዘተ ምስ ተዛዘመ ከምዝፀድቕን ክሳብ ታሕቲ ወሪዱ ኣብ ተግባር ከምዝውዕልን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.