ሚኒስትር ሰላማዊት ካሳ ዓውዲ ቱሪዝም ውሽጢ ሃገር ብሰፊሑ ክስረሐሉ ከምዝግባእ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዑል ለውጢ እናርአየ ዝርከብ ዓውዲ ቱሪዝም ውሽጢ ሃገር ብሰፊሑ ክስረሐሉ ይግባእ ክብላ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን፡፡
እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ፤ ኮሚሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዓውዲ ቱሪዝም እናወገኖም ዝፀንሑ ተግባራት ብምድሃብ ምስ ኮሚሽነር ሌሊሴ ዱጋ ጠቃሚ ዘተ ኣካይዶም፡፡
እቲ ክልል ወናኒ ብዙሓት ሃፍቲታት ቱሪዝም ብምዃኑ እቶም ሃፍቲታት ኣብ ምፍላጥ እቲ ኮሚሽን ጥንኩር ልምዲ ከምዘደንፈዐ ገሊፀን፡፡
“ልዑል ለውጢ እናርአየ ዝርከብ ዓውዲ ቱሪዝም ውሽጢ ሃገር ብሰፊሑ ክስረሐሉ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ሃገር ለኸ ምትእስሳር ምፍጣርን ብዝበለፀ ዑደት ባህሊ ምስፋሕ ይግባእ” ኢለን፡፡