Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ምስ ኣምባሳደር ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ምስ ኣምባሳደር ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ መረተ ሉንደሞ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኖርዌይን ኣድሂቦም ኢጦም ተላዚቦም ዘለዉ።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሓይሊ፣ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት፣ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ልምዓት ደኒን ማዕርነት ፆታት ትኹረት ብምግባርም እቶም ሚኒስትር ኣብ ትዊተር ገፆም ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ እናቐፀለ ዝርከብ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም እውን መብርሂ ሂቦም ኢዮም፡፡

እቲ ግድብ ኩለመዳይ ረብሓ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘዕቢ ኣብቲ እዋን ዘተ ንተን ኣምባሳደር ኣብሪሆምለን።

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.