Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኣብ ፕሮጀክት ፅይ መስተ ማይ ዲጋላ-ጅቡቲ ዶብ ተሳጋሪ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ ( ዶ/ር ኢ/ር) ኣብ ፕሮጀክት ፅይ መስተ ማይ ዲጋላ-ጅቡቲ ዶብ ተሳጋሪ ዑደት ገይሮም።

ኣብ እዋን እቲ ዑደት ሓላፊ ቆንስላ ጅቡቲ ኣብ ድሬዳዋ ሙሴ ሃጂ ጃማ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ማይን ሳኒቴሽንን ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ልምዓት ኢነርጂ ሱልጣን ወሊ(ዶ/ር ኢ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስቴርን ተሳቲፎም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን፥ እቲ ፕሮጀክት ሙሉ ብሙሉእ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምድጋፍ ስራሕ እናተዛዘመ ከምዝርከብ ገሊፆም።

28 ማይ ከርሰ ምድሪ መውፅኢ ጎዳጉዲ ዘለዉዎ ፕሮጀክት ከምዝኾነን ካብ ሞንጎ እዚ ፍርቁ ናብ ሓይሊ ናይ ምርኻብ ስራሕ ከምዝተዛዘመን እውን ኣመልኪቶም።

ሓላፊ ቆንስላ ጅቡቲ ኣብ ድሬዳዋ ሙሴ ሃጂ ጃማ፥ እቲ ፕሮጀክት ሕቶን ጠለብን ማይ ብዙሓት ዜጋታት ዝመለሰ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብቲ ፕሮጀክት እናተርኣዩ ዝነበሩ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ዝተርኣየ ተበግሶ ንኢዶም።

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.