Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ዩኒሴፍን ባንኪ ዓለምን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ምስ ተወካሊ ዩኒሴፍን ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለምን ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም።

ከም ሃገር ዝረኣይ ባህጊ ንፁህ መስተ ማይን ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ንምምላእ ተወሳኺ ሃፍቲ ምድላይን ናብ ስራሕ ምእታውን ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ተገይሩ።

ብፍላይ ብመዳርግቲ ኣካላት ደገፍ ዝግበሩ ዘለዉ መርሃ ግብሪታትን ፕሮጀክትታትን፣ ድልየት ፅሩይ መስተን ኣገልግሎት ሳኒቴሽንን  ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ተሓሳቢ ዝገበረ ምትእኽኻብ ሃፍቲን ናብ ስራሕ ምእታው ኣብ ዘኽእሉ ኩነታትን ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከይዲ ዝርከቡ ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን ምጥንኻርን ኣፈፃፅመኦም ውፅኢታዊ ኣብ ምግባር ከይዲ ምዝታዮም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.