Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ ኣብ ጉባኤ ማይ ውሕመ ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ዝርከብ ጉባኤ ማይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ጉባኤ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ታጂክስታንን መንግስቲ ኔዘርላንድስን ዝተሰናደአ ኢዩ፡፡

ድርቂን ለውጢ ንብረት ኣየርን ዘስዐቦ ፅዕንቶ፣ ረብሓ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ስራሕቲ ሕርሻን ምትሕብባር ሃፍቲ ማይን ኣመልኪቶም እቶም ሚኒስትር መደረ ከስምዑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ፣ ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዮሴፍ ካሳዬ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያን ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.