Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትራት ምክልኻል ሃገራት ኣፍሪካ ቢሾፍቱ ኣብ ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ዑደት ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ተረኺበን።

ንሰልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ጉባኤ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እንትኸውን÷ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝሓዘ ውዕሎ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ቀፅሪ ሓይሊ ኣየር ዝርከቡ ቤት ትምህርቲ በረራ፣ ኤር ቤዝ፣ ማእኸል ሲሙሌተርን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ከምዝተዓዘቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.