Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራትን ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክን ኮምቦልቻ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚልን ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓሌሴን ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክን ኮምቦልቻ ዑደት ገይሮም።

ኣብ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ መካየዲ ስራሕ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኮምቦልቻ ሙሉጌታ መኮንን ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ÷ እቶም ኣጋይሽ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኮምቦልቻ ተዓዚቦም፡፡

ሓደ ኣካል እቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ዝኾነ ካርቢኮ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ኩባኒያ ጣሊያን ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ከምዝተዓዘቡ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ የኮምቦልቻ እናፈረዩ ዝርከቡ ክዳውንቲ ሱፍ፣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኢድ ቦርሳ፣ ካልሲን ካልኦት ዓለባታት ስፖርትን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ እናቐረቡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.