Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና መሊስካ ንምጥያሽ ናይ ድጋፍ ፃዉዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ንምጥያሽን መሊስካ ስራሕ ንምጅማርን ናይ ድጋፍ ፃዉዒት ኣቕሪቡ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወሩሪ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ጥዕና፣ ትካላት ቀረብ ሕክምናን ካልኦት ትካላት ማሕበረሰብን ምዕናዉ ተገሊፁ፡፡

ክሳብ ሐዚ ብዝወፀ ሓበሬታ ልዕሊ 2 ሽሕን 700 ዝኾኑ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ጥዕና ከምዝዓነዉ ተሓቢሩ፡፡

ብምኽንያት ዕንወት ትካላት ጥዕና ብዙሓት ወገናት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ ከምዝተፀገሙ ከምኡ እዉን ጎንፂ ኣብ ዝተፈጠረሉ ከባቢ ዝርከቡ ግልጋሎት ወሃብቲ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ኣገልግሎት ንኽህቡ ከምዝተገደዱ ተገሊፁ፡፡

ትካላት ጥዕና ንማሕበረሰብ ዘላቒ ኣገልግሎት ንኽህቡን ናብ ንቡር ንኽምለሱን ንኹሉ ዝሓወሰ ፃዉዒት ቐሪቡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ሃፍቲ ንምትእኽኻብን ስራሕቲ ድጋፍ ንምትሕብባርን ጉጅለ ስብ ሞያ ዘተጣየሸ እንትኸውን÷ ብዉልቀሰብ ኮነ ብጉጅለ ድጋፍ ክገብሩ ንዝደልዩ፤ ኣድላዪ ሓበሬታ ንምሃብን ንምትሕብባርን ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስትሪ ድልዊ ምኻኑ ገሊፁ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.