Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኩለን ክልላት ድጋፋዊ ክትትልን ዑደትን ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኩለን ክልላት ድጋፋዊ ክትትልን ዑደትን ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ኩለን ክልልት ዝሳለጥ ድጋፋዊ ክትትልን ዑደትን 3 ግንቦት 2012 ዓ.ም ከምዝጅመር ብምግላፅ፥ ካብ ቫይረስኮሮና ወፃእ ኣብ ዘለዉ ስሩዓት ስራሕቲ ዘድሃበ ዑደት ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብሪሁ።

ብምኽኒያት እቲ ለበዳ ኣብ ሆስፒታላትን ኬላታት ጥዕናን ኣብ ካልኦት ስሩዓት ስራሕቲ ሕክምና ልዑል ምዝሕሓል ከምዘሎ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብ ኩለን ክልላት ዘለዉ ትካላት ጥዕና ኣሰራርሕኦም ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎን ኣወዳድባ ቢሮታቶምን ብምርኣይ ድጋፍ ንምግባር ዝዓለመ ዑደት ኢዩ ኢሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጄ ዱጉማ፥ ብምኽኒያት ቫይረስ ኮሮና ዝተዘሓሓለ ስሩዕ ግልጋሎት ሕክምና ናብ ንቡር ንምምላስን ካብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ ንምምሕያሽን ዓሊምካ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.