Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ነበር ተዋጋእቲ እግሪ ንምትካል ዝሕግዝ ሰነድ ንብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ነበር ተዋጋእቲ እግሪ ንምትካልን ናብ ሰለማዊ ስቪላዊ ናበርኦም ንምምላስን ዝሕግዝ ሰነድ ንብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣረኪቡ።

እቲ ሚኒስቴር ደገፍ ኣገልግሎት ሳይኮሶሻል ኣቢሉ ኣገልግሎት ማዕዳ ጥዕና ብምሃብ ነቶም ነበር ዕጡቓት አግሪ ንምትካል፣ ማዕዳ ስነ ኣእምሮ ጥዕናን ኣገልግሎትን ንክረኽቡ ብምጥዕዓም ምስ ማሕበረሰብ ንክነብሩ ናይ ምግባር ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ደገፍን ኣገለግሎትን ሳይኮሶሻል በዝምልከት ብሞያተኛታት ዝተሰናድአ ናይ ሰልጠናን መምርሒን ነቶ ኮሚሽን ኣረኪቡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር አየለ ተሾመ፥ ፀገማት ብዘተ ብምፍታሕ ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰብ ነክፅንበሩ ናይ ምግባር ስራሕ ከም ሃገር ልዑል ኣሰር ዘንብር ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.