Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ብኲናት ንዝተጎድኡን ዝተመዛበሉን ዜጋታት ኣገልግሎት ጥዕና እናሃበ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ድጉማ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትር ጥዕና፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ጊዜያት ዝተፈላለዩ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ዘጋጠሙ ምዃኖም ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ንኸቢድ ፀገም ከምዝተሳጥሑ ተዛሪቦም።

ካብ መንጎ እዚኦም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እዛ ሃገር ብዝተፈጠረ ኲናትን ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ክፋል ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ድርቂ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዶክተር ደረጀ፥ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ንዝርከቡን ብድርቂ ንዝተጎድኡን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ጥዕና እናተውሃበ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ግብረ ሓይሊ ምላሽ ወሃቢ ሃንደበታዊ ሓደጋ ተጣይሹ ምስ ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴር ጥዕና ብምዃን ዝተፈላለዩ ድጋፋት ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ 16 መዓስከራት ክልል ዓፋር ንልዕሊ 294 ሺሕ ተመዛበልቲ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ደገፋት ከመዝተውሃበ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሮም።

ንኣጥቦውቲ፣ ጥኑሳትን ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናትን ብሕፅረት ምግቢ ንከይጉድኡ 30 ዝኾኑ ተንቀሳቐስቲ ሰብ ሞያ ጥዕናን ስርዓተ ምግብን ዝተደገፈ ጊዚያዊ ክሊኒክ ብምጥያሽ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣምሓራ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ በምሕባር፥ ካብዚኦም ነቶም 130 ሺሕ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ነክረኽቡ ከመዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ፀገም ንዝነብሩ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት መዳርግቲ ትካላትን ብምዃን ኣድላዪ ኣቕርቦት ይቐርብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብፍላይ ንዓሶ፣ ቲቢን ካልኦት ሕማማትን በቢመዓልቱ ኣቕርቦት መድሓኒት ብኣውሮፕላን ይበፅሕ ከምዘሎ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ብምንይችል ኣዘዘው

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.