ሚኒስቴር ጥዕና ማእከል ሕክምና ኮቪድ ኮይኑ ግልጋሎት እናሃበ ዝነበረ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ናብ በዓል ዋንኡ መሊሱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ንዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ሕክምና ኮቪድን ካልኦት ሃንደበታዊ ሕክምናን እናሃበ ዝነበረ ኣዲስ ፓርክ /ሚሊንየም ኣዳራሽ/ ናብ በዓል ዋንኡ ንሜድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ብምንኣድ ኣረኪቡ፡፡
ሚኒስትር ሚኒሰቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ እቲ ማእከል ኣብ ዘረከባሉ እዋን÷ “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብዙሓት ዝተሓላለኹ እዋናት ብምሕላፍ እናብፀሖ ዘሎ ፀገም ብምፅዋር ናብዚ ዕለት ብምብፃሕና ማእከል ኣዳራሽ ሚሊንየም መሊስና ስለዘረከብና ኣዚና ሕጉሳት ኢለና” ኢለን፡፡
ኣብ እዋን 8 ሰሙናት ኣዳራሻት ናብ ሆስፒታልነት ብቕያርን ናውትታት ብምምላእን ስራሕቲ ተጀሚሮም ብዙሓት ፈውሲ ንክረኽቡሉ ክገብር ከምዝኸኣለ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ ኮሌጅ ሕክምና ሚሊኒየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ንቲ ስራሕ ብሓላፍነት ተረኪቡ ንካልኦት እውን ብምትሕብባር ንዝሰርሖ ውፅኢታ ስራሕ ንኢደን፡፡
እቲ ኣዳራሽ ናብ በዓል ዋንኡ ዝተመለሰሉ ዓብዪ ምኽንያት÷ እቲ ለበዳ ቫይረስ ስለዝጠፍአ ዘይኮነስ ሕክምና ግልጋሎት ኣብ ካልኦት ትካላት ጥዕና ምሃብ ኣብ ዝከኣለሉ ብርኪ ስለዝተበፅሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሜድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ኣይተ ጀማል ኣሕመድ ብግደኦም÷ ሚሊንየም ኣዳራሽ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል 120 ሚሊየን ብር ንምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ንሚኒስቴር ጥዕናን ከምዝሃበ ብምግላጽ፤ ንመፃኢ እውን ዝኽእሎ ኩሉ ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com