Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕናን ግሎባል ፈንድን ደገፍ ስምምዕነት ልዕሊ 25 ቢሊየን ብር ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕናን ግሎባል ፈንድን ደገፍ ስምምዕነት ልዕሊ 25 ቢሊየን ብር ከቲሞም።

እቲ ደገፍ፥ ሕማማት ቲቪ፣ ኤች አይ ቪን ዓሶን ምቁፅፃር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ሓላፊ ዲፓርትመንት ግሎባል ፈንድ ኣፍሪካ ሊንዶን ሞሪሰን ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

ዶክተር መቅደስ ዳባ፥ ግሎባል ፈንድ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ነቶም ሕማማት ንምቁፅፃርን ብሓፈሻ ስርዓት ጥዕና ንምምሕያሽን ዓሊሙ 3 ቢሊየን ዶላር ደገፍ ከምዝገበረ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ኣብቶም ዓማውቲ ብዝተገበረ ሓበራዊ ፃዕሪ እወንታዊ ውፅኢታት ምምዝጋቦም ገሊፀን።

እቲ ሐዚ ዝተገበረ ደገፍ ድማ ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ሓቢረን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.