Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ግብርና ኣብ ክልል ዓፋር ወለንታዊ ኣገልግሎት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ግብርናን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ብምውዳድ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሚሌ ወለንታዊ ኣገልግሎት ሂቦም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣወል ዓርባን ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴን(ዶ/ር) ከምኡውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተሳተፉሉ ክረምታዊ ወለንታዊ ኣገልግሎት ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ንክልተ ኣረጋዊያን ስድራ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲን ተኸላ ፈልሲን ተኻይዱ።

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፥ እቲ ህንፀት  ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክዛዘም ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.