Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ዓመታዊ ዘተ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ዓመታዊ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ 2016 ዓ.ም.ፍ ብመሰረት ዝተኸተመ ስምምዕነት ሓበራዊ ረብሓ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብዛ ሃገር ዝግበር እግሪ ምትካል ንክሕግዛ ንምርድዳእ ምስቲ ሕብረት ዝተኸተሙ ስምምዕነታት ሰነድ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሉ ዕድላት ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ስራሕቲ ዕጥቂ ምፍታሕ፣ መሊስካ ምጥያሽን ህንፀትን ንምድጋፍ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ከልኦት ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ኣብቲ ዘተ ክድህሰሱ ኢዮም ተባሂሉ።

ብታሪኩ ወ/ሰንበትን ኣሸናፊ ሽብሩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.