Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ክእለትን ስራሕን ምስ ሓደ ግልጋሎት መውሃቢ ጣብያ ማእኸል  ይዛይ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ክእለትን ስራሕን ምስ ሓደ መተሓባበርቲ ግልጋሎት መውሃቢ ጣብያ ብሃገር ደረጃ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ክእለትን ስራሕን ሙፈሪያት ከሚልን ካልኦትን ላዕለዋይ ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

እቲ መድረኸ ን2 መዓልቲ ዝካየድ እንትኾን፤ናይ ሓደ ማዕከል ግልጋሎት መውሃቢ ጣቢያታ ክሰርሕዎም ዝግብኡ ዋና ዋና ስራሕቲን፤ ክትግበሩ ዝግባኡ ሓደሽቲ አሰራርሓታትን ኣድሂቦም ክዛተዩ እዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ መደረ ዝገበራ ሚኒስትር ክእለትን ስራሕን ሙፈሪያት ካሚል፥ “ ዘከርቲ ዝሓለፈ ታሪክ ጥራሕ ኮይንና ክንተርፍ የብልናን ናይ ባዕልና ታሪክ ሰሪሕና ንመፃኢ ትውልዲ ምፅናሕ ሓላፍነት ኣለና ” ኢለን፡፡

ብዘፈር ኢኮኖሚ ዓርሳ ኪኢላ ደው ትብልን ናፃ ሃገርን ንምስራሕ ኣለና እውን ኢለን፡፡

ቀፃሊ ንዝፅበይ ምዕራፍ ዝተፈለየ ምድላው ከምዘድልይ ፤ሕቡእ ዓቅሚ  መናእሰይ ምጥቓም ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምግላፅ ፤ኣተሓሳስባን ባህሊን ፈጣሪነት ስራሕ ብቴክኖሎጂ ዝድገፉሉ ስርዓ እቲ ቤት መስርሒ ከምዝዘርገሐ ኣመላኺተን፡፡

ብዘቢብ ተኽላይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.