ሚኒስቴር እቶት ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 336 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 336 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስትር እቶት ኣይ ላቀ ኣያሌው ኣፍሊጦም።
እቲ ሚኒስቴር ኣብዚ በጀት ዓመት ክእከብ ካብ ዝተሓሰበ 360 ቢሊየን ብር፥ 336 ቢሊየን 710 ሚሊየን 21 ሺ ሕን 930 ብር ብምእካብ 93 ነጥቢ 53 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኸኣለ ተገሊፁ፡፡
እቲ ኣፈፃፅማ ምስ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀ 57 ቢሊየን 494 ሚሊየን 923 ሺሕን 697 ወይ እውን 20 ነጥቢ 59 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘለዎ እቶም ሚኒስትር ምዝራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብ ሓሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com