Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያንን ማስተር ካርድን ስርዓት ከክፍሊት ኣገልግሎት መንግስቲ ንምዝማን ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያንን ማስተር ካርድን ስርዓት ከክፍሊት ኣገልግሎት መንግስቲ ንምዝማን ተስማዕሚዖም።

ኦንላይን ስርዓት ክፍሊት እተን ትካላት ንምዝማን ብሓባር ንምስራሕ ዘኸእል ስምምዕነት ዝተስማዕምዑ እንትኾኑ፥ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ድማ ኣገልግሎት መንግስቲ ብኦንላይን ዝረኽቡ ዜጋታት ፖርታል ኢ-ሰርቪስ ብምጥቃም ዲጂታል ክፍሊታት ንኽፍፅሙ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ስምምዕነት ስርዓት ክፍሊት ብምማንን ኣብ ውሽጢ ክፍሊት ስርዓት መካተቲ ስነ-ምህዳር ብምፍጣር መንግስቲ ዝሓዞ ትልሚ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ከምዝሕግዝ እውን ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር ምዕራፍ ትግበራ፥ ኣባላት ትካል ሲቪል ማሕበራት ነዚ ኣማራፂ መተግበሪ ክፍሊ ብምጥቃም ፍቓድ ንምውፃን ንምሕዳስን ኣብ ቀረባ እዋን ክፍሊት ንኽፍፅሙ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ብፈትያ ኣብደላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.