Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኣገልግሎት ሳፋሪ ዝተቐየራ መኻይን ንመርአዪ ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኣገልግሎት ምስክርካር ሳፋሪ ዝተቐየራ በዓል ሓደ ጋቢና ፒክ ኣፕ መኻይን ንመርአዪ ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረኪቡ።

ቱሪዝም ኣብ ፕሮግራም ሪፎርም ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ቅድሚት ካብ ዝተውሃቦም ዓውዲታት ሓደ ብምዃኑ ልምዓትን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምምሕሽ ኢሉ እውን ኣብቲ ዓውዲ ልምዲ ምድንፋዕ ቁልፊ ኣንፈት ትኹረት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

በዝሒ ዘለዎም ብሄራዊ ፓርክታትን ሃፍቲ እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ልምምድ ሳፋሪ ምስፍሕፋሕ ቱሪስታት ንምስሓብ ወሳኒ ተግባር ከምዝኾነ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ለካቲት 2016፤ ኣብ እዋን ገምጋም 100 መዓልቲታት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንቱሪዝም ኣገልግሎት ዝህባ ሳፋሪ ተሽከርከርቲ ንኽፈርያ ንሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣንፈት ምሃቦም ይፍለጥ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናብ ሳፋሪ ኣገልግሎት ምሽክርካር ዝተቐየራ በዓል ሓደ ጋቢና ፒክ ኣፕ መኻይን ንመርአዪ ክኾና ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረኪቡ።

እተን መኻይን ንሳፋሪ ኣገልግሎት ክምችዋ ገይርካ ኣብ ምልዋጥ ከይዲ ኣፍረይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስፍሓት ናይ ምልዋጥ ልምዲን ዓቕሚን ከዕብዩ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ÷ ኣብ ከይዲ ስራሕ ምፍራይ ዝተሳተፉን ዓቕሚ ዘለዎም ኣፍረይቲን ኣብቲ ከይዲ ምፍራይ ንኽሳተፉ ኣንፈት ሂቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.