Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትምርቲ ሃገር ለኸ መጠቓለሊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምርቲ ብመርበብ ሓበሬታ (Online) ዝወሃብ ሃገር ለኸ መጠቓለሊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

ንፈለማ እዋን ብመርበብ ሓበሬታ ዝወሃብ ሃገር ለኸ መጠቓለሊ ፈተና 12 ክፍሊ÷ ወረቐት ኣልቦ ብምግባር ሓደ ምዕራፍ ዲጂታል ጉዕዞኡ ከምዝጀመረ ገሊፁ፡፡

እዚ ጉዕዞ ዕዉት ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ንተፈተንቲ ብክላስተር ዝተሰናደአ መጠወቒ (URL) ቅድሚ እቲ ፈተና ኣቲዮም ዝለማመዱሉ እንትኸውን÷ ኣብ ፈተና ዕለት ድማ መፈተኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብምዃኑ ድማ ተፈተንቲ ካብዚ ንታሕቲ ኣብ ፊት ንፊት ዝፍተኑሉ ክላስተር ፈተና ዝተቐመጠ መጠወቒ ብምእታው ክለማመዱ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ፡፡

ክሳብ ሕዚ username ን passwordን ዘይረኸበ ተፈታኒ እንተሃሊዩ፣ ቅድሚ ሕዚ ንቢሮታት ትምህርቲ ስለዝተለኣኸ፣ ከካብ ቤት ትምህርቲ መተሓበባርቲ ምርካብ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ፡፡

ክላስተር ሓደ

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፡ https://c2.exam.et

ሲዳማ ብሄራዊ ክልል፡ https://c2.exam.et

ትግራይ ብሄራዊ ክልል፡ https://c2.exam.et

ክላስተር ክልተ

ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ፡ https://c3.exam.et

ክልል ህዝቢታት ጋምቤላ፡ https://c3.exam.et

ኣምሓራ ብሄራዊ ክልል፡ https://c3.exam.et

ክላስተር ሰለስተ

ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብሄራዊ ክልል: https://c4.exam.et

ሃረሪ ብሄራዊ ክልል: https://c4.exam.et

ዓፋር ብሄራዊ ክልል: https://c4.exam.et

ኦሮሚያ ብሄራዊ ክልል – 1

ክላስተር ኣርባዕተ

ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ፡ https://c5.exam.et

ኦሮሚያ ብሄራዊ ክልል – 2

ካብዚ ብተወሳኺ ተምሃሮ ዋና ፈተና ንምፍታን ናብ ዋና ዌብሳይት እንትኣትዉ እንታይ ክግሩ ኣለዎም ዝብል ሓፂር ትምህርታዊ ምስሊ ኣብዚ ምርኣይ ይኽእሉ፡፡ https://www.youtube.com/watch?v=PdAu-FI-Q5M

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.