Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትምህርቲ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ፣ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ንምቕፃል ሰላም ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ዝገለፁ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣይተ ሚሊየን ማቴዎስ፥  ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰላም ሃገር ንምሕላው ዝገበሮ ህልኽካ ዘወድእ ቃልሲ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ትምህርቲ እውን ከም ትካል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምድጋፍ ናይ 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበረን ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ከምዝብል ኣፍሊጦም።

እቲ ውህብቶ ዝተረከቡ ሚኒስቴር ዴኤታ ምክልኻል ሃገር ወይዘሮ ማርታ ሊዊጂ፥ ሚኒስቴር ትምህርቲ ንዝገበሮ ደገፍ ንኢደን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.