Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትምህርቲ መንበሪ ዘኽታማት ብምሕዳስ መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ወለንታ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ መንበሪ ዘኽታማት ብምሕዳስ መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ወለንታ ብዕሊ ጀሚሩ።

ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ሚኒስቴር ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 9 ተረኺቦም መንበሪ ገዛ ዘኽተማት ብምሕዳስ ኢዮም በቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝካየድ ስራሕቲ ክረምታዊ ወለንታ ኣጀሚሮም ዘለዉ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግበርሪ ብሓገዝ እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ ክፍለ ከተማ ናይ 15 ዘኽታማት መንበሪ ገዛ ከምዝሕደስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ገሊፆም፡፡

እቲም መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ተሓዲሶም ንነበርቲ ከምዝርከቡ እውነ ኣብሪሆም።

ካብ ምሕዳስ ብተወሳኺ ኣድላይቲ ኣቑሑት ከምዝማልኡሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን፥ ተምሃሮ ኣብቲ ክረምታዊ መርሃ ግብሪ ወለንታ በቢከባቢኦም ተሳተፍቲ ብምዃን ካብ ወግን ሓሊፎም ንሃገር ኣብ ምሕጋዝ ሓላፍነቶም ብንቕሓት ንኽዋፅኡ ፀዊዖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.