Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክ ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክ ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚልን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክ ጀማል ኣሕመድ ፈሪሞምዎ።

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምንባር ክታም ከምዝገለፀኦ÷ ስምምዕነት ክልቲኦም ትካላት ኣብ ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ወሳኒ ኢዩ።

“ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክ ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረን ኣብ ዕቤት ሃገር ኣሰሩ ዘንበረን ትካል ኢዩ” ምባለን ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምስ ሚድሮክ ኣብ ከም ሕርሻ፣ ቱሪዝምን መዓድንን ዘዝበሉ ሓሙሽተ ዘፈራት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ንምቕራብ፣ መፍረያይነት ንምድንፋዕን ድሕንነት ሞያ ንምሕላውን ብሓባር ከምዝሰርሑ ገሊፀን፡፡

ኣይተ ጀማል ኣሕመድ ብግደኦም÷ ሚድሮክ ዘለዉዎ ክፍተት ኣመራርሓታት ንምምላእ ብሓባር ምስራሕ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.