ሚኒስቴር ሰላም 1 ሺሕን 256 ሰልጠንቲ ኣገልግሎት ወለንታ ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ሰላም “ወለንታ ብሓባር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝተውፃእፅኡ 1 ሺሕን 256 ሰልጠንቲ ኣገልግሎት ወለንታ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ እናሰልጠኖም ዝፀንሐ ሰልጠንቲ ኣገልግሎት ወለንታ ኢዩ ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃኢን ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈቲሂ መሂዲ (ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሃገራዊን ዞባዊን ሰላም ንምርግጋፅ ተመረቕቲ ዝጀመሩዎ ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉን ሃገራዊ ግቡኦም ንኽዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።
ብበሪሳ ሃይለማርያም