Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር “ሃይማኖታዊ እሴታትና ዋሕስ ሓድነትናን ሰላምናን ኢዮም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈተ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ኣይተ ሃይላይ ብርሃኔ፥ ኩሎም ሃይማኖታት ሰላምን ፍቕሪን ዘምህሩ ስለዝኾነ ንዝላቒ ሰላምን ዕቤትን ሃገር ዕዙዝ ግደ ኣለዎም ኢሎም።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኢትዮጵያ እናጋጠሙዋ ዝርከቡ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽሉ ሓሳባትን ናይ መፍትሒ ኣንፈታትን ኣብ ምቕማጥ ትኹረት ብምግባር ንምዝታይ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ታጋይ ታደለ፥ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝሰርሖም ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ብመልክዕ ፀብፃብ ኣቕሪቦም።

“ማሕበራዊ ሃፍቲታት ብመንፅር ሃይማኖት” ብዝብል ርእሲ መፀናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ልዝብ እናተገበረሉ ይርከብ።

ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ መድረኽ ዘተ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.