ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ዓለም ለኻዊ ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ናብ ሃገሮም ዘይተመለሱ ሒደት ኣባላት ሰራዊት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ዓለም ለኻዊ ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ናብ ሃገሮም ዘይተመለሱ ሒደት ኣባላት ሰራዊት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።
እቲ ሚኒስቴር ዝሃቦ ሙሉእ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ድፋዕ ልእላውነት ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምውቃዕ ለውጢ ከቢሱ ናብ ሰልጣን ብምምላስ ኢትዮጵያ ምግዛእ፤ ምግዛእ እንተዘይክኢሉ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብዝብል ክልላት ብምግንፅፃል ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ዕላማ ሒዙ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊን ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከፊቱ። እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊን ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ካብ ምፍፃሙ ኣቐዲሙ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ዝርከቡ ትግርኛ ተናገርቲ “ኢንፍልትሬት” ብምግባር ንእኩይ ዕላምኦም ብምድላው ኣብ ልዕሊ ሰራዊን ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ሰራዊትና ካብ ውሽጥን ደገን ከምዘጥቀዐ ይፍለጥ።
ናይ ሕጊ ምኽባርን ህልውናን ዘመቻ እንትፍለም ምስ መከላከያ ሰራዊትና ሓቢሮም እንትሰርሑ ዝነበሩ ካብ ወተሃደር ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዘለዉ ትግርኛ ተናገርቲ ንዘመቻ ዕውትነትን ዓርስና ንዓርስና ከይንዋቓዕን እንትበሃል ደመወዞምን ቀለቦምን እንተይተቛረፀ ኣብ ገዝኦም ንክፀንሑ ምግባሩ ይፍለጥ።
ቅድሚ መጥቃዕቲ ሰሜን እዚ ናብ ወፃኢ ሃገር ሰላም ንምኽባር ዝተልኣኹ ትግርኛ ተናገርቲ ግን ኣብ ሰራዊትናን ተልእኾን ፀገም ኣይፈጥሩን ብዝብል ኣብ ስርሖም ንክቕፅሉ ተገይሩ ኢዩ። ይኹን እንበር ህወሓት ናይ ትግርኛ ተናገርቲ ናብ ሃገሮም ንከይምለሱ ኣብ ወፃኢ ብዝርከቡ ናይ ወያኔ ቁፃራት ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ብምንዝሑ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ውዥንብር ፈጢሩ ኢዩ።
ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም ክትእሰሩ ኢኹም ዝብል ናይ ሕሶት መፈራርሒ ብምንዛሕን ብዘረኝነት ብምጉስጓስን ሃገሮምን ትካሎምን እናገልገሉ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ናይ ምኹብላል ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ። እቶም ኣባላት ሰራዊት ትካሎምን ሃገሮምን ፀሊኦም ዘይኮነስ ወያኔ ብዝሰርሖ መፍረሲ ስራሕ ስግኣት ኣቲዩዎም ዝተወሰኑ ወታደራት ሰላም ንምኽባር ኣብ ዝኸዱሉ ሃገር ተሪፎም ኢዮም። ወያነ ውሑዳት ኣፍረስቲ ኣብ ውሽጦም ብምፍጣር እኩይ ዕላምኡ መፈፀምቲ ገይሩዎም ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዳርፉር፣ ኣብ ልኡኽቶ ተዋፊሮመረ ዝነበሩ ናብ ሃገር ንክምለሱ እንትግበር ብተመሳሳሊ ምድንጋር ውሑዳት ወታደራት ተሪፎም ኢዮም። ሱዳን ምስ ዝርከቡ ሳምሪ ተፀምቢሮም እንትዋግኡ ከምዝሞቱ እውን ነይሮም። ይኹን እምበር ንኹሉ ፅዕንቶ ተፃዊሮምን ሃገርን ትካልን ዝሃቦም ግቡእ ፈፂሞም ንዝተመለሱ ትግርኛ ተናገርቲ ኣባላት ሰራዊትና ትካልና ልዑል ምስጋና የቕርበሎም።
ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ኣብ ገዝኦም ንኽፀንሑ ዝተገበሩን ካብ ልኡኽ ምኽባር ሰላም ዝተመለሱን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተናጋሪ ትግርኛ ኣባላት ሰራዊትን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ሎሚ እውን ኣባላት እቲ ትካል ስለዝኾኑ ተመሊሶም ሃገሮም ረብሐኦምን ክኽበር ኢዩ። ሕዚ ዘሎ ጎንፂ ብዝኾነ ይኹን ኣግባብ እንተተፈቲሑ ናብ ስረሖም ተመሊሶም ሃገሮም ከገልግሉ ኢዮም ዝብል ቅዋም እናተሰርሐ ይርከብ።
ሕዚ እውን ኣብ ልኡኽ ምኽባር ሰላም ንዘለኹም ምስ ሰራዊት ግቡእ እናተውሃበኩም ዘለኹምን ንግዚኡ ካብ ስራሕ ወፃእ ኮይንኩም ነገር ግን ደመወዝን ጥቕማጥቕሚኹምን ተሓሊዩ ዘለኹም ወታደራት ብኣፍራሲ ፕሮፓጋንዳ ወያነ እንተይተንምበርከኽኩም ንኽተገልግሉ፤ ስድራኹም ከይትብትኑ፤ ረብሓኹም ከይቋረፅ፤ ብታሪኽ ክሕደት ከይትምዝገቡ ነተሓሳስብ።
ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።