Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ብ105 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 510 ሞተር ሳይክላት ንክልላት ኣከፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ብ105 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 510 ሞተር ሳይክላት ንክልላት ኣከፋፊሉ።

ኣብ ቤት ዕዮ ቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ርኽክብ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ዓውዲ መስተ ማይን ሳኒቴሽን ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ መፍትሕ ቁልፍታት ንተወከልቲ እተን ክልላት ኣረኪቦም።

እተን ሞተር ሳይክላት ዓቕሚ ክልላት ንምጥንኻር ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ብናይ ሓደ ሕሳብ ፕሮግራም መስተ ማይን ሳኒቴሽን ዝተዓደጋ ምዃነን ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ ተዛሪቦም።

እተን ሞተር ሳይክላት ንናይ ክልላት ቢሮታት ማይ፣ ጥዕናናን  ትምህርትን ዝከፋፈላ እንትኾና፥ ኣብ ናይ ሓደ ምዕራፍ መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ፕሮግራም ዝህነፁ ትካላት ክትትልን ድጋፍን ንምግባር ዝሕግዛ ኢየን ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ካልኣይ ፕሮግራም መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ብምኽንያት ኲናት መጉዳእቲ ንዝበፅሖ ንኣገልግሎት ማይ ከተማ ደሴ 27 ዴስክ ቶፕ ኮምፒውተራት፣ 16 ፕሪንተራት፣ 2 ላፕቶፓት፣ ሓደ ማሽን ፎቶ ኮፒን ሓደ ስካነርን ከም ዝተበርከተ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.