Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ልዕሊ 213 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም 6 ስምምዓት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ልዕሊ 213 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ሽዱሽተ ስምምዓት ተፈራሪሙ።

ካብ ሞንጎ እቶም ስምምዓት ልዕሊ 41 ሚሊየን ብር ዝኸውን ምስቲ ኲናት ተተሓሒዙ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት እናተኣናገዱ ዝርከቡን በዚ ምኽንያት ኣብ ቀረብ ማይን ሳኒቴሽንን ማሕለኻ ንዘጋጠሞም 4 ከተማታት ማለት እውን ጎንደር፣ ባህርዳር፣ ደብረ ብርሃንን ሰመራ-ሎጊያውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ምንባር ክታም ከምዝተገለፀ፥ ካብቶም ሽዱስተ ስምምዓት እቶም ክልተ ነተን ኣርባዕተ ከተማታት 11 መስሓቢ ፓምፕታትን ጀነሬተራትን ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ንምቕራብ ዝተገበሩ ስምምዓት ኢዮም፡፡

ካብ ዝተረፉ ኣርባዕተ ስምምዓትድማ እቶም ሰለስተ ን22 ከተማታት 44 ሞተር ሳይክላት፣ መጓዓዓዚ ሓዊሱ ሰርፌስ ፓምፕታት፣ ን22 ከተማታት ቡምባታት ማይን መገጣጠሚን ንምቕራብ ዝተበሩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ዝተረፈ ሓደ ስምምዕነት ድማ ምስ ለውጢ ኣየር ተተሓሒዙ ፀገም መስተ ማይ ዘለዎም ካባቢታት ደቡብ ክልል ወረዳታት ጠምባሮን ዛላን መእለሺ ፍልፍል ማይ፣ ናይ ኣዋፃኣይነት መፅናዕቲ፣ ስራሕቲ ዝርዝር ዲዛይንን ኣብ እዋን ኳዕቲ ስራሕቲ ቁፅፅር ምምሕዳር ፕሮጀክት ንምስላጥ ዝተገበረ ኢዩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.