Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ልዕሊ ብር 50 ሚሊየን ዝግመት ንተመዛበልቲ ዝኸውን ሓገዝ ኣቑሑት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስተር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ልዕሊ ብር 50 ሚሊየን ዝግመት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመዛቢሎም ዝርከቡ ዜጋታት ዝኸውን ሓገዝ ኣቑሑት ገይሩ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ ትግራይ፣ ኣጣየን መተከልን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ኢዩ ሓገዝ ገይሩ ዘሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ሓገዝ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ንኣጣየ ዝግበር ሓገዝ ብሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ከምኡ እውን ኣብ መተከል ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ሚኒስቴር ጥዕና ከምዘተሓባብሩዎ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኾነን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ኩሉ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብር ከምዝግባእን ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን  ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ተዛሪበን።

ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ሚኒስቴር ጥዕናን ዘተሓባብሩዎ ሓገዝ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.