ሙዚየም ዓድዋ ዜሮ ኪሎ ሜትር ታሪካዊ ክብሩ ሓሊዩ ህንፀቱ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሙዚየም ዓድዋ ዜሮ ኪሎ ሜትር ታሪካዊ ክብሩ ሓሊዩ ህንፀቱ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን።
እቲ ሙዚየም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተሃነፁን ኣብ ህንፀት ዘለዉን ፕሮጀክትታት እቲ ዝዓበየ ኢዩ ኢለን።
11 ብሎካት፣ ኣብ ውሽጡ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ዓድዋ፣ መዘከርታ ፈረሰኛታት ዓድዋ፣ ንጀጋኑ ደቂ ኣኒስቲዮ ክብሪ ተባሂሉ ዝተሰየመ መዘከርታ፣ ማእኸል ሓድነት፣ መዘከርታ ናፅነት ኣፍሪካ ከምኡውን ጉዕዞ ጀጋኑ ኢትዮጵያ ዘርእይ ሙዚየም ዘካተተ ኢዩ ኢለን።
ብተወሳኺ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝውዕሉ ካብ 3 ሚኢቲ ክሳብ 4 ሺሕ ሰብ ዝሕዙ ዝተፈላለዩ ኣዳራሻት ዝርከብሉ ከምዝኾነ ገሊፀን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።