Fana: At a Speed of Life!

ሙላቱ ለማ (ፕ/ር) ዝበለፁ ፕሮፌሰር እዚ ዓመት ብምዃን ተሓሪዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ግዛት ሳቫና  ዩንቨርስቲ ጆርጂያ መምህር ሒሳብ ዝኾኑ ሙላቱ ለማ (ፕ/ር) ዝበለፁ ፕሮፌሰር ዓመተ 2023 ብምዃን ተሓሪዮም።

ሙላቱ ለማ (ፕ/ር) ብዓለም ለኸ ማሕበር ሰብ ሙያ እቲ ዓውዲ ከምዝተሓረዩ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር፥ ብብርኪ ዓለም ብዕውቱነት ሙያ፣ ውፅኢት ኣካዳሚ፣ ክእለት ኣመራርሓ፣ ኣብቲ ዓውዲ ንብዙሕ ዓመታት ብምግልጋልን ንማሕበረሰብ ብመሰረት ዝነበሮም ግደን ጠመተ ብምግባር ንሰብ ሞያ ኣፍልጦም ክብሪን ዝህብ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያዊ ሙላቱ ለማ (ፕ/ር) ዝበለፁ ፕሮፌሰር 2023 ዓ.ም.ፈ ብምዃን ተሓሪዮም።

ሙላቱ ለማ (ፕ/ር) ብሓፈሻ ልዕሊ 30 ዓመታት ዓይነት ትምህርቲ ሒሳብ ከምዘምሃሩ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.