Fana: At a Speed of Life!

ሙሉቀን ሃብቱ (ዶ/ር) ሓዊሱ 5 ተኸሰስቲ ብናፃ ንኽሰናበቱ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሞያ ቴክኒክን ስልጠና ቴክኖሎጂን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ሙሉቀን ሃብቱ (ዶ/ር) ሓዊሱ ሓሙሽተ ተኸሰስቲ ባናፃ ክሰናበቱ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 3ይ መገባእያ ጉዳያት ገበን ግዕዝይና፥ ብምጭብርባር ዕጫ ኮንዶሚኒየም ክሲ ኣብ ዝተመስረቶም ተኸሰስቲ ብይን ሂቡ።

ምስ ምጭብርባር 3ይ ዙር ምውፃእ ዕጫ 40/60 ን መበል 14 ዙር 20 /80 መንበሪ ኣባይቲ ተተሓሒዙ ክሲ ካብ ሞንጎ ዝተመስረቶም 11 ተኸሰስቲ ኢዩ 5 ተኸሰስቲ ብናፃ ንኽሰናበቱ ቤት ፍርድ ወሲኑ ዘሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ 11 ውልቀ ሰባት ክሲ መስሪቱ መረዳእታታት ሰብን ሰነድን ንቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ዝቐረበ መረዳእታ ሰብን ሰነድን ዓቃቢ ሕጊ ዝመርመረ ቤት ፍርዲ÷ ሎሚ መዓልቲ 1ይ ተኸሳሲ ሙሉቀን ሃብቱ (ዶ/ር)ን 2ይ ተኸሳሲ ኣብርሃም ሰርሜሎን ሓዊሱ ሓሙሽተ ተኸሰስቲ ብናፃ ክሰናበቱ ወሲኑ።

ካልኦት ሓሙሽተ ተኸሰስቲ ድማ ዝሓተቱዎ መሰል ዋሕስ ተኸቢሩሎም ንኽከላኸሉ ትእዛዝ ተዋሂቡ።

10ይ ተኸሳሲ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዘይብሉ ጥፍኣተኛ ተባሂሉ።

8ይን 9ን ተኸሰስቲ ብ80 ሺሕ ብር፣ 4ይ ፣ 5ይን 7ይን ተኸሰስቲ ድማ ብ50 ሺሕ ብር ዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ እቲ ቤት ፍርዲ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ኣዚዙ።

ብዙፋን ካሳሁን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.