Fana: At a Speed of Life!

ሙሁራን ክብሪታት ኢሬቻ ንምጉልባት ንኽሰርሑ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሁራን እቲ ዓውዲ ክብሪታትን ሰናይ ምስሊታትን ኢሬቻ ኣብ ዘደንፍዑ ስራሕቲ ንኽሰርሑ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዘሰናደኦ መድረኽ ዘተ ‘ጉሚ በለል’ ‘ኢሬቻ ንባህሊን ህዳሰናን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይሳለጥ ኣሎ።

ሓላፊት ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን እቲ ክልል ጀሚላ ሲምቢሩ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ብሓባር ዘኽብሮ ነፀብራቕ ስርዓት ገዳ ዝኾነ መርአዪ ምስጋናን ሓድነቱን ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብስፍሓትን ብድምቀትን እናተኸበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ሙሁራን እቲ ዓውዲ ክብሪታትን ሰናይ ምስሊን ኢሬቻ ዘደንፍዑ ስራሕቲ ፀዊዐን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.