Fana: At a Speed of Life!

መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ንኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ናይ ምፍላጥ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኾኑ ዓለም ለኸ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ናይ ምፍላጥ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ፥ እቲ መፅሓፍ ንዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ኣንፈታት ሓባሪ ሓሳባት ዘካተተ ኢዩ ኢሎም።

ትውልዲታት ብሓባር ዝሓለፍዎ፣ ዝነበርሉን ዝነብሩሉን ሓሳባዊ ፍልጠት ብምሓዝ ንዝማዕበለት ሃገር ንምፍጣር ንክለዓዓሉ ዝገብር ሓሳብ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ፕሬስ ሰክሬተሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ብግደአን፥ እቲ መፅሓፍ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ትውልዲ ምስ ናይ ፅባሕ ትውልዲ ዘተኣሳስርን ንሃገር ልዑል ግደ ዘለዎን ኢዩ ኢለን።

ሽይጣት እቲ መፅሓፍ ድማ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ተኮር ልምዓታት ዝውዕል ከምዝኾነ ምግላፀን ኢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.