Fana: At a Speed of Life!

መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብመልክዕ ትረኻ ንኣድመፅቲ ክቐርብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተፅሓፈ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብመልክዕ ትረኻ፣ ፊልምን ካልኦት ኣማራፅታትን ንኣድመፅቲን ተመልከትቲን ክቐርብ ኢዩ።

ኮርፖሬት ኣዲስ ዋልታ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን “የመደመር ትውልድ” ትረኻን ካልኦት ፓኬጃትን ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ደኤታ ሚኒስቴር ቱሪዝም ሌንሳ መኮንን፣ ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ፣ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬት ኣዲስ ዋልታ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን መሃመድ ሃሰን፣ ኣርቲስታተን ሰብ ሙያ መራኸብቲ ሓፋሽን ተረኺቦም።

ጎኒ ንጎኒ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ፅንሰ ሓሳብ፣ ሃገራዊ ረብሓ፣ ዕዮ ገዛ ቀፃሊ ትውልዲ ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ደኤታ ሌንሳ መኮንን፥ እቲ መፅሓፍ ትውልዲ ምህናፅ ናይ ኩሉ ዜጋ ዕዮ ገዛ ዝጠመተ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ነዚ ንምስራፅ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓላፍነት ከምዘለወን ኣገንዚቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.