Fana: At a Speed of Life!

መፅሄት ታይምስ ንጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን ብሉፃት ሰባት እዚ ዓመት ኢሉ ረቚሑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መፅሄት ታይምስ ንምሩፅ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ምክትሎም ካማላ ሃሪስን ዝበለፁ ሰባት ዓመተ 2020 ብምባል ረቚሑዎም።

ንዲሞክራትስ ወኪሎም ኣብ መረፃ ኣመሪካ ተወዳዲሮም ዝተዓወቱ ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስስ፥ ምስ ላዕለዋይ ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካዊ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺን ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ናብ መዛዘሚ ድሕሪ ምብፃሕ እዮም ንኽልቲኦም ስዒሮም ዝበለፁ ሰባት ዓመተ 2020 ክኾኑ ክኢሎም።

መፅሄት ታይምስ ካብ 1927 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝበለፀ ሰብ እናበለ ኣፍልጦ ክህብን ክሽልምን ፀኒሑ እዩ።

ላዕለዋይ ኤዲተር መፅሄት ታይምስ ኤድዋርድ ፈልሳታል “ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ምቕያር ዘርኣይዎ ተደናጋፅነት ቃንዛ ዓለም ኣብ ምሕዋይ ዘመንጭውዎ ዘለዉ ሓሳባት ታይምስ ዝበለፁ ሰባት 2020 ኢሉ ክሮቅሖም ካብ ዝደረኹ ነጥብታት’ዮም” ኢሉ።

ምሩፅ ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን ነዚ ሽልማት ኣመልኪቶም ክሳብ ሕዚ ዝሃብዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.