Fana: At a Speed of Life!

መግለፂ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

እንኳዕ ን2017 በዓል መለወጢ ዘበን በዓል እንቁጣጣሽ ኣብፀሐኩም

ዘበን ዕድል ኢዩ፡፡ ንዘበን ምጥቃም ግን ውፅኢት ስራሕ ኢዩ፡፡ ዘበን ፈጣሪ ንኹልና ብማዕረ ሂቡና ኢዩ፡፡ ኣፈላላይ ዝፍጠር ብዘበን ብምስራሕን ብዘይምስራሕን ኢዩ፡፡ ኣብ ታሪኽና እንኾርዐሎም ምዕራፋት ኣለዉ፡፡ ኣብ ውሽጢ ህይወትና ዘሕጉሱ እዋናት ኣለዉ፡፡ እዞም ምዕራፋትን እዋናትን ካሊእ ነገር ኣይኮኑን፡፡ ዝተውሃበና ናይ ዘበን ዕድል ብዝግባእ ተጠቒምና ንሰርሐሎም ወቕቲታት ኢዮም፡፡

ንሕና ንድለይ ኣይንድለ ዘበን ይልወጥ ኢዩ፡፡ ግዘ ንቕድሚት ጥራሕ ዝኸይድ ማሽን ስለዝኾነ፡፡ ዝኾነ ይኹን ኣካል ጠጠው ኣየብሎን፤ ኣንፈት የልውጦን፡፡ ዝከኣል ብግዘ ምጥቃም ጥራሕ ኢዩ፡፡ “ክረምቲ ንሰነፍ ሓረስታይ መዓት፤ ንንፉዕ ሓረስታይ ምሕረት ኢዩ” ይበሃል፡፡ ምሕረትን መዓትን ምስ ዝናብ ዝመፅእ እንተይኮነስ ካብቶም ሓረስቶት ምድላውን ስራሕን ዝርከብ ኢዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነፍ ሓረስታይ ዘበን ይልወጥ፤ እቲ ብርቱዕ ሓረስታይግን ነቲ ዘበን ባዕሉ ይልውጦ፡፡

ኣብ 2016 ንኢትዮጵያ እንታይ አዕዊትና? ኣብ 2017 ከ ንኢትዮጵያ እንታይ ኣሰናዲእና? ናይዞም ሕቶታት መልሲ ትርጉን ምልዋጥ ዘበን ይቕይሮ፡፡ ዘበን ይልወጠና ኣሎ ወይስ ንሕና ንዘበን ንልውጦ ኣለና? ዝብል የረድአና፡፡ ንኢትዮጵያ ዘበን እናተለወጣ ብዙሕ ግዘ ነይራ ኢያ፡፡ ሓለሓሊፉ ድማ ብብርተዐን ብትግሃትን ንዘበን ለዊጣቶ ትፈልጥ ኢያ፡፡ ዘበን እንትልውጠና፣ ካብ ጎቦ ከምዝተፈንቀለ እምኒ፣ ናብ ዝሓሰብናዮ ዘይኮነስ ናብ ዝደለዮ ዝወስደና ኢዩ፡፡

2017 ዓ.ም ዝልውጠና ዘይኮነስ እንልውጦ ዓመት ንኽኸውን ትምኒተይ ኢዩ፡፡ ትልሚታትና ተግቢርና፤ ፕሮጀክታትና ብእዋኑን ብፅሬትን ዛዚምና፤ ጎንፂታትና ብልዝብን ብድርድርን ፈቲሕና፤ ናይ ዘበናት ስብራታትና ብዘተን ብስግግር ፍትሒን ፀጊንና፤ ብብዙሓት ነገራት ርእስና ክኢልና፤ ሪፎርምታትና ብብቕዓት አዕዊትና፣ ንልውጦ ዘበን ንኽኸውን ይምነ፡፡

2017ን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝፅራሕ ዘበን ንምግባር ንዳሎ፡፡ ናይ ዘበናት ዕዳታትና እንወራረደሉ፤ ዝነበሩ ቁስሊታትና እንሕክመሉ፤ ናይ ዘበናት ሕልሚታትና መሰረት እነትሕዘሉ፤ መሪን ማርሽን ታሪኽ መኪና እንቆፃፀረሉ ዘበን ንምግባር ንለዓል፡፡

ቀፃሊ ዝመፅኡ ደቅና “እዚ ታሪኽ ዝተሰርሐ፣ ቅድሚ ክንደይ ዓመት ኣብ 2017 ኢዩ” ንኽብሉ ንግበር፡፡

ኣብ ኣውሎ ንፋስን ናዕቢ ማይን ኮይንና ዘገርሙ ስራሕቲ ንኽንሰርሕ ዝፈቐደ ፈጣሪ ሎሚ እውን ምሳና ኢዩ፡፡ ፅባሕ እውን ምሳና ኢዩ፡፡ ምስራሕ ናትና ምውጋን ድማ ናቱ ኢዩ፡፡ ንሕና ንዘበን ክንልውጥ እንተተላዒልና ንሱ ክሕግዘና ኢዩ፡፡

ዳግም እንኳዕ ን2017 በዓል መለወጢ ዘበን እንቁጣጣሽ ኣብፀሐኩም

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ንህዝባን ይባርኽ!

5 ጳጉሜን፣ 2016 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.