Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ክፍሊት ኣዲስ-ኣዳማ ዋና መውፅኢ ኣዳማ ንዘይተወሰነ እዋን ክዕፆ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ክፍሊት ኣዲስ-ኣዳማ ዋና መውፅኢ ኣዳማ ንዘይተወሰነ እዋን ክዕፆ ከምዝተገበረ ኢንርፕራይዝ መገዲ ክፍሊት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንተርፕራይዝ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ትማሊ ምሸት ሰዓት 4፡45 ናብ ኣዳማ ኣረቂ ፅዒና እናተጓዓዘት ዝነበረት ተሸከርካሪት ኣብ በሪ ክፍሊት ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ዝተለዓለ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት በፂሑ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ መገዲ ክፍሊት ኣዲስ-ኣዳማ ዋና መውፅኢ ኣዳማ ንዘይተወሰነ እዋን ክዕፆ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ዓማዊል ኣብ ሞጆ 25 ኪሎ ሜትሮ፣ 56 ኪሎ ሜትሮ ከምኡ እውን ኣብ 60 ኪሎ ሜትሮ ኣማራፂ መስመራት ጉዕዞ ንኽጥወሙ እቲ ኢንተርፕራይዝ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.