Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 10 ሺሕ ኪሎ ግራም ናውቲ ሕክምና ናብ ሱዳንን ሶማሊያን ኣጎዓዒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 10 ሺሕ ኪሎ ግራም ናውቲ ሕክምና ናብ ሱዳንን ሶማሊያን ኣጎዓዒዙ።

እቲ መገዲ ኣየር 7 ሺሕ ኪሎ ግራም ናውቲ ሕክምና ናብ ሱዳን ከምኡ’ውን 3 ሺሕ ኪሎ ግራም ናብ ሶማሊያ ኢዩ ኣጎዓዒዙ።

እተን ሃገራት ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ንዝገበርኡ ፃዕሪ ዝሕግዙ ናውቲታ ከምዝኾኑ ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝረኸለብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝርገሐን ጉድኣትን ኮቪድ-19 ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ንምክልኻል ዓሊሞም ካብ ጃክ ማ ፋውንዴሽን ዝተለገሱ ዝተፈላለዩ ናውቲታት ሕክምና ናብተን ሃገራት ምጉዕዓዙ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.