መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ቢዝነስ ጀት ኣውሮፕላን ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታዉ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተረከባ ቦይንግ 737-800 ዝተብሃለት ቢዝነስ ጀት ኣውሮፕላን ፍሉይ ግልጋሎት ንዝደልዩ ዓማዊል ከምትውዕል ተሓቢሩ፡፡
ቕድሚ ሕዚ ንፍሉይ በረራታት ዝዉዕሉ ግልጋሎታት ብስሩዕ ኣውሮፕላናት ክዋሃብ ምፅንሑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰዉ ተዛሪቦም፡፡
እታ ሓዳሽ ኣውሮፕላን ዘበናዊ ግልጋሎት ንመሃብ ዝኽእሉ ደጋዊ ክፍልታት ከምዘለውዋ ብምሕባር÷ ኣብ ስሩዕ ግልጋሎት ዝፍጠር ዝነበረ ፅዕንቶ ከምዝንኪ ሓቢሮም፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣውሃህባ ግልጋሎት ቻርተር ዓቕሙ ንምዕባይ ከምዚ ዓይነት ኣውሮፕላናት ከምዝሕግዝዎ ተሪቦም፡፡
ኣብ 2035 ኣድማስ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ዝሓዞ ውጥን ንምዕዋት ተወሳኺ ቢዝነስ ኣውሮፕላናት ናብ ስራሕ ከምዘእቲ ተገሊፁ፡፡
ብሚኪያስ ኣለሙ