Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሎጅስቲክስ ካርጎኡ ብልዕሊ 10 ሚኢታዊ ንምዕባይ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣገልግሎት ሎጅስቲክስ ካርጎ ብልዕሊ 10 ሚኢታዊ ንምዕባይ ተሃቂኑ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ገሊፆም።

ኣይተ መስፍን ጣሰው፤ ኣገልግሎት ሎጅስቲክስ ካርጎ እቲ መገዲ ኣየር ኣመልኪቶም ንግዜኢ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ኣገልግሎት ፅዕነት ዝህባ 16 ዓበይቲን ማእኸለዎትን ኣውሮፕላናት ከምዘለዉዎ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝተቐላጠፈን ሰፊሕን መብፅሒ ዕዙዝ ኣገልግሎት ንመሃብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 140 ዓለም ለኸ መብፅሒታት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ፅዕነት እናጓዓዓዘ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ በጀት ዓመት 2016 ልዕሊ 758 ሺሕ ቶን ፅዕነት ተጓዓዒዙ ሓፈሻዊ ኣታዊኡ ዓውዲ ካርጎ 1 ነጥቢ 65 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ኣብ በጀት ዓመት 2017 እውን እቲ መገዲ ኣየር መገዲ ዘፈር ሎጅስቲክስ ካርጎ ብልዕሊ 10 ሚኢታዊ ንምዕባይ ሃቂኑ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.