መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ከተማታት ዢያሜንን ሳኦፖሎን ልዕሊ 33 ሺሕ ቶን ፅዕነት ከምዘጓዓዘ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ከተማታት ዢያሜንን ሳኦፖሎን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 33 ሺሕ ቶን ናይ ፅዕነት ኣቑሑት ከምዘጓዓዘ ኣፍሊጡ፡፡
ኣገልግሎት ካርጎን ሎጂስቲክስን እቲ መገዲ ኣየር ናብ ከተማታት ዢያሜንን ሳኦፖሎን ኣገልግሎት ፅዕነት ኣቑሑት ምሃብ ዝጀመረሉ ካልኣይ ዓመት ኣኽቢሩ፡፡
ኣብቲ እዋን እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ከተማታት ብዝገበሮም 474 በረራታት 33 ሺሕን 226 ቶን ዝኾኑ ኣቑሑት ምጉዕዓዝ ከምዘኸኣለ ተሓቢሩ፡፡
ኣብተን ከተማታት ብዝግበር ኣገልግሎት ፅዕነት ኣቑሑት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምትእስሳር ንግዲ ክልቲአን ኣህጉራት ብዝበለፀ እናጠናኸረ ከምዝርከብ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡