Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሃገር እናኣተዉ ንዝርከቡ ዳያስፖራታት ፍሉይ ኣቀባብላን እንግዶትን ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፃውዒት ቀዳማይ ሚስትር ተቐቢሎም ናብ ሃገር እናኣተዉ ንዝርከቡ ዳያስፖራታት ፍሉይ ኣቀባብላን እንግዶትን እናገበረ ምዃኑ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ዝገጠማ እዋናዊ ፈተና ብሰዓራይነት ንኽትዋፃእ ዜጋታት ብሓደ ጠጠው ብምባል ሃገር ንምድሓን እናተረባረቡ ይርከቡ።

ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንብ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናይ ቁርፂ እዋን ደቂ ሃገር ብምዃን ንሃገሮም ዘለዎም ፍቕሪን ጥብቅናን ብምውፃእ ኣርኢዮም ኢዮም ተባሂሉ ።

ፃውዒት እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስትር ተቐቢሎም ዝመፅኡ ዳያስፖራታት ብፍሉይ ኩነታት ንምቕባል ክልተ ኮሚቴ ብምውዳብ እናሰርሐ ዝርከብ እቲ መገዲ ኣየር፥ ዝተጣየሹ ኮሚቴታት ጉዳያት ድሕንነትን ፀፅታን ዝከታተሉ ከምዝኾኑ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ግራውንድ ሰርቪስ እቲ መገዲ ኣየር ታደለ ባረጋ ንግዜኢ ገሊፆም።

ናብ ሃገር ንዝመፅኡ ወገናት ዝወሃብ ኣገልግሎት ብትኹረት ዝከታተሉ ኮሚቴታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ዳያስፖራታት ጸገም ከየጋጥሞም እንተጋጢሙዎም ድማ እቲ ኮሚቴ ሽዑንሽዑ ተዘራሪቡ እርማት ብምውሳድ ዝተሳለጠ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝግበር ገሊፆም።

እቶም ዳያስፖራታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልዎም ፃንሒት ናብ ዝነብሩሉ ሃገር ኣብ ዝምለሱሉ እዋን እውን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ከምዝግወሃቦም ሓቢሮም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.