Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብክልተ ዓውዲታት ሽልማት ‘ማእኸል ልህቀት ስታት ትሬድ ታይምስ ካርጎ’ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሽልማት “ናይዚ ዓመት ብሉፅ ኣገልግሎት ወሃቢ ካርጎን ኣፍሪካ”ን “ካብ ኣፍሪካ ብሉፅ ብራንድ ካርጎ ኣውሮፕላን እዚ ዓመት”ን ብዝብሉ ክልተ ዓውዲታት ሽልማት ማእኸል ልህቀት ስታት ትሬድ ታይምስ ካርጎ ከምዝተዓወተ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር፥ ሽላማቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ‘ኤር ካርጎ ኣፍሪካ 2023’ ከምዝተረከበ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብና ሓሬታ የረድእ።

ሽልማት ስታት ታይምስ /The STAT Times Award/፥ ኣብ ኣገልግሎት ካርጎ ኣውሮፕላን ዕዙዝ ብቕዓትን ኣብቲ  ኢንዱስትሪ ንዘመዝገቡዎም ዓወታት ኣፍልጦ ዝህብ ዓለም ለኸ ሽልማት ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.