Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ቦይንግ ስምምዕነት ዕድጊት 67 ኣውሮፕላናት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዓብዪ ዝተብሃለለሉ ዕድጊት 67 ኣውሮፕላናት ምስ ኩባንያ ቦይንግ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ብመሰረት እቲ ምምዕነት እቲ መገዲ ኣየር 11 ቦይንግ 787 ድሪምላይነር ከምኡ እውን 20 ቦይንግ 737 ማክስ ኣውሮፕላናት ክዕድግ ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ 15 ቦይንግ 787 ድሪም ላይነርን 21 ቦይንግ 737 ማክስ ኣውሮፕላናት ብተወሳኺ ናይ ምግዛእ ኣማራፂ ዘካተተ ስምምዕነት ከምዝኾነ እቲ መገዲ ኣየር ኣፍሊጡ።

እቲ ስምምዕነት ዕድጊት÷ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰውን ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ዕድጊት ንግዲን መሸጣ ብራድን ኩባንያ ቦይንግ ማክ ሙለን ፈራሪሞምዎ።

ሕዚ ዝተኣዘዛ ኣውሮፕላናት ጠለብ ነዳዲ ብምንካይን ብኽለት ከባቢ ኣየር ኣብ ምንካይ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.