Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኣፍራዪ ሞተር ኣውሮፕላን ዝኾነ ኩባኒያ እንግሊዝ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኣፍራዪ ሞተር ኣውሮፕላን ዝኾነ ኩባኒያ እንግሊዝ ሮልስ ሮይስ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ንዝርከበን ኤርባስ A350-1000 ኣውሮፕላናት ሞዴል ሞተራት ሓፈሻዊ ግልጋሎት ሰርቪስ ንመሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኮንትራት ተፈሪሙ ዘሎ ሓለፍቲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ደርቢ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ ኩባንያ ኣፍራዪ ሞተር ኣውሮፕላን ሮልስ ሮይስ ዑደት ኣብ ውገበሩሉ እዋን ኢዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ እንግሊዝ ፈላማይ በረራ ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመት እናኽበረ ከምዝርከብ ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.